about us Amharic

This website is by refugees, about refugees, and for refugees

እዚ ዓውደ ፋእሚ (ዌብሳይት) ብ ዕሩቓት ሓተትቲ ሓገዝ: ብዛዕብኦም: ነዖኦም ዝተዳለወ እዩ" ንሕና ካብ በብዓይነቱ ባህልን ሃገራትን ዝመጻና ሰባት ኮይንና ሓንቲ ጉጅለ ኣቂምና ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንነብር ኣለና:: እቲ ቀንዲ ዕላማና ነዚ ዓውደ ፋእሚ (ዌብሳይት) ዝፈጠርና ድማ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብ ነንሕድሕድና ምጥርናፍ ከነተባብዕ እዩ:: እቲ ካልኣይ ዕላማና ድማ ንሰሜን ላንክሻየርን ንዓለምን ብዛዕባ ዕሩቓት ሓተትቲ ሓገዝ ከነላልዮም እዩ:: ኣብቲ ታሕቲ ክፋል INFO ABOUT REFUGEES (ሓበሬታ ብዛዕባ ዕሩቓት ሓተትቲ) ምስትወርዱ:ናይ ሓተትቲ ዑቕባን ዕሩቓት ሓተትቲ ሓገዝን ካብ ዓዶም ክስደዱ ዘገደዶም ምኽንያትን: ከምኡ ድማ ናይ ዝተወሰኑ ኣባላት ናይዚ ሕብረተሰብ ዜናታትን ናይ ውልቆም ታሪኽ ንሕሉፍ ተመክሮታቶምን ርድኢቶምን ዘንጸባርቕ ጽሑፋት ክትረኽቡ ኢኹም:: እዛ ዓውደ ፋእሚ ን ዕሩቓት ሓተትቲ ሓገዝ እንኮላይ እያ ተዳልያ:: ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዝቐለለ መገዲ ንኽነብሩ: ሓበሬታታትን ቪድዮታትን ዓንቀጻትን ተዳልወሎም:: ካብቲ ሓበሬታታት ነዞም ዝስዕቡ ጠርኒፉ ኣሎ:- ብዛዕባ ናይ መንበሪ ፍቓድ: ስራሕ: ሓገዛት ወይ ጥቕምታት: ትምህርቲ: ኣብ IT ኮምፒተር ዝተመርኮሰ ሓገዝ ስልጠና:: እዞም ዝጠቐስናዮም ኣብቲ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ንኽትጽንበር ዝሕግዙ ኣዝዮም ኣገደስቲ ረቓሒታት እዮም:: ኣብቲ HOME PAGE ሓንቲ ሓዳሽ ክፍተት ፈጢርና ኣለና: ኣብኣ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ከመይ ጌርና ንምክቶ ብዝተፈላለየ ቃንቃታት ተዳልይልኩም ኣሎ:: ብተወሳኺ ጥዕናና ክንሕልው ትሕግዘና መራሒት: ብ ኦንላይን ከመይ ጌርና ንመሃር: ምሕደራ ደቅና:ናይ Zoom ኣጠቓቕማ ድማ ሓበሬታ ተጻሒፉ ኣሎ:: ኩሉ ግዜ እዛ ዓውደ ፋእሚ ምምሕያሽ ንገብረላ ኢና እሞ ብወገንኩም ኸኣ ካልእ ክትፈልጥዎ ትደልዩ እንተሎ ብኽብረትኹም ኣፍልጡና::


This Page Translate to:
Arabic
Albanina
Sorani
Farsi
Spanish
Pashto
Amharic